ኢየሱስን ናይ ሕይወትኻ ጌታ አድርገኻ

“እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።”

ሮሜ 10፡9-11

“ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።”

ኤፌሶን 2:8-9

ንሎሚ ብኸምዚ ኣገባብ ብምጽላይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ሕይወትኩም ክትገብሩ ንዕድም።

ጎይታ ኣምላኽ ብወዲ ህያው ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሙሉእ ልበይ እኣምን እየ። ስለ ሓጢኣተይ ከም ዝሞተ፡ ከም ዝተቐብረ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከም ዝተንሥአ፡ ሎሚ’ውን ብህይወት ከም ዘሎ እኣምን። ሕጂ ልበይ ከፊተ ከም መድሓኒይን ጎይታይን እየ ዝቕበለካ።ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚረ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ሕይወተይ ምዃኑ ብኣፈይ እናዘዝ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሞት ከም ዘተንስኦ ብልበይ እኣምን። ብእኡን ብስሙን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለኒ። መንፈስ ቅዱስ እቕበልካ ኣለኹ። ካብዛ ዕለት እዚኣ ብእምነት ኣብ ልበይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺበ ኣለኹ። ጎይታ ስለ ድሕነት ነፍሰይ የመስግነካ! ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ እየ። ሃሌሉያ!

“ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።”

2ይ ቆሮንቶስ 5፡17

እዛ ጸሎት እዚኣ እንተጸለኻያ እንቋዕ ሓጎሰካ! ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢኻ። ሃሌሉያ!!!

ኣብ ታሕቲ ዘሎ ፎርም ብምምላእ፡ ናብ ቤተክርስትያንና ብምብጻሕ፡ ወይ በቲ ዝተዋህበ ቁጽሪ ተሌፎን ክትረኽቡና ንዕድም። ነቲ ቅጥዒ ምምላእ ኣብ ጸጋን ፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እናዓበኻን ምስ ኣመንቲ ብጾትና መጽሓፍ ቅዱስ እናጽንዕካን ምሳኻ ክንራኸብን ክንድግፈካን የኽእለና።


📍

ኣድራሻ፡ ዕምባባ መስቀል፡ ብድሕሪ ሆቴል ናዝራ፡ ስግር ሆቴል ዚግዛግ፡ ኣዲስ ኣበባ

☎️

ንዝያዳ ሓበሬታ፡ +251 901122180፡ +251 976054800 ደውሉ!!